У нас вы можете посмотреть бесплатно " 3 ዓመት - ብሓንቲ እግሪ - ኣብ ጓጓ ፀላኢ ከርተት . . . !"(1ይ ክፋል) или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ወራሪ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝሃቀኖ ኣዝዩ ሓደገኛ ወራር ቀዲምካ ንምምካት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ምሸት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን ዕዝ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክትወስዱ ኢኹም ተዳለዉ ካብ ዝተብሃሉ ኣዝዮም ውሑዳት ኣባላት ፍሉያት ሓይሊ ሓደ እዩ። ፈላመይቲ ዓረር እንትትኮስ ኣብታ ታሪኻዊት ፍፃመ ነይሩ። እቲ ስጉምቲ ክዛዘም ክብል ከባቢ ላዕላይ ሰለፉ ተወቒዑ ዓፅሙ ተሰይራ። እንትቕፅል ሰራዊት ኢትዮጵያ መቐለ እንትኣቱ ሕክምና ከይገበረ ከሎ ምስ ካልኦት ቁሱላት ብፆቱ ተፃዒኑ ናብ በረኻታት ቆላ ተምቤንን ምዕራብ ትግራይን ተወሲዱ። ኣብቲ ከባቢ ፀላኢ ምስ ኣርከበ ምንም ክንገብረኩም ኣይንኽእልን ተባሂሉ ምስ ብፆቱ ኣብ በረኻ ተደርብዩ። ቁሱላት ብፆቱ እንትርሸኑ ንሱ ብሓንቲ ተኣምራዊት ቅፅበት ኣምሊጡ። ሓንቲ ዝተሰበረት እግሩ ኣንጠልጢሉ ብሓንቲ እግሩ ሰለይ እናበለ፣ ኣፃድፍ በረኻታት እናንከራረወ፣ ዓቐብን ኣኽራንን ከም ጠበቕ እናሓኾረ፣ ንኸቢድ ስቓይ ቁስሉ ስኑ ነኺሱ እናተፃወረ ሰለስተ ዓመት ሙሉእ ፀላኢ ኣብ ዝተቖፃፀረሎም ከባብታት ምስ ሞት ሕብሕቢኢተይ እናገጠመ ኣሕሊፉ። እታ ኣብ ፈላማይ ተኹሲ ዝቖሰለት እግሩ ሰኣን ሕክምና ክሳብ ሎሚ ከይሓወየት ኣላ። ኣብ ዓለም ኣሎ ኢልካ ዘይትኣምኖ ዝደሓነሎም ዕድላት፣ በዓል ኣምባሳደር ስዩም መስፍን መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ምኽንያት፣ ዘሕለፎም ሕልሚ ዝመስሉ ውፃእ ውረዳት ክነግረና ምስ ፕሎት ሚድያ ዕላል ገይሩ ኣሎ። ፈላማይ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ተጋዳላይ ኣታኽልቲ ፍስሃየ። ሰብስክራይብ ብምግባር ተኸታተሉ።