У нас вы можете посмотреть бесплатно ኣብ ስርዓተ ተዋልዶ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ዘለዎም ጎዳእቲ ልምድታት/Harmful Habits That Negatively Affect the Reproductive System или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
መኻንነት/Infertility 6 ኣብ ስርዓተ ምርባሕ(ስርዓተ ተዋልዶ)ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘምፅኡ ጎዳእቲ ልምድታት//Harmful Habits That Negatively Affect the Reproductive System! ================================== ምስ መፃምድኻ ቤተሰብ ክትምስርት ኣብ እትደልየሉ እዋን ብጣዕሚ መሰረታዊ ካብ ዝኾኑ ባዮሎጂያዊ(ስነ ህይወታዊ) ተግባራት እቲ ሓደን ቀንድን ምድቓል(ምዉላድ)እዩ። ነዚ እዩ እዉን መብዝሓትኡ ግዜ ሓዳር ብዘይ ዉሉድ ፈታኒን መወዳእትኡ ድማ ፍትሕን ዝኸዉን። ➢ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብዘዉፀኦ መረዳእታ መሰረት ሓፈሻዊ ናይ መኻንነት ዝርገሐ ካብ 3.9% ክሳብ 16.8% እዩ ፡፡መበገሲ መኻንነ እዙይ እዩ ዋላ እኳ እንተዘይተብሃለ ኣብዚ ቪድዮ እዚ ኣብ ስርዓተ ተዋልዶ ፀገም ዝፈጥሩ ጎዳእታ ልምድታት ንምግላፅ ክፍትን እየ። ናይዛ ቻነል ባዓል ገዛ ንምዃንን ዝለቆ ቪድዮ ብቐሊሉ ንምርካብን ሳብስክራይብ ብምግባር ነዛ ናይ ደወል ምልክት ኣብርሁዋ።እንተድኣ ፈቲኽሞ ላይክ ግበሩ።እንተድኣ ጠቓሚ ኮይኑ ረኺብክሞ ድማ ሼር ብምግባር ንፈተዉትኹም ኣካፍሉ። ኣብ ስርዓተ ተዋልዶ ዝተገበሩ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ፆታ ብዘየግድስ ኣነባብራን ልምድን ናይ ሓደ ሰብ ምስ ስርዓተ ምርባሕ ጥቡቕ ዝኾነ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብዚ ክነቕልበሉ ዝግባእ ብጣዕሚ ወሳኒ ነገር እዞም ናብ መኻንነት ዘምርሑ ዝበልናዮም ናይ ኣነባብራ ልምድታት ኣብ ኢድ ቁፅፅርና ምዃኖም እዩ።እዚ ማለት እዞም ጎዳእቲ ልምድታት ክነዉግዶም ንኽእል ኢና። ➢ክወልዱ ዝደልዩ መፃምዲ ከወግድዎም ዘለዎም ❻ ንመኻንነት ዘቃልዑ ጎዳእቲ ልምድታት 1. ምትካኽ ምትካኽ ወይ ዝኾነ ይኹን ናይ ትንባኾ ዉፅኢት መሰጥቃም ኣብ ጥዕናዊ ስርዓተ ዋልዶ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ። ➢ናይ ወዲ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ፅሬቱ ክቕንስን ናይ ሆርሞናት ምዝባዕ ክህልዎ ክገብርን ይኽእል። ➢ ኣብ ዕቤት ዘሎ ናይ ጓልኣንስተይቲ እንቋቑሖ ይጎድእ ➢ጥንሲ ኣብዘይ ቦትኡ ክፍጠር ይገብር(ectopic px) ➢ ናይ ጥንሲ ምዉራድ(Abortion) ክዉስኽ ይገብር። 2.ኣልኮላዊ መስተ ልዕሊ ዕቅን ናይ ምስታይ ፀገም ➢ኣብ ኣወዳት ጥዕናዊ ፀገም ዘለዎ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዕቤት ክህሉ ይገብር፡፡ ➢ኣብ ኣዋልድ ዘይልሙድ ናይ ወርሓዊ ፅግያት ስርዓት የምፅእ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ናብ መኻንነት ከምርሕ ይኽእል። 3.ድቃስ ምስኣን (Lack of sleep) ዘይምዕሩይ ናይ ህራስ ልምድታት ብቐጠታ ወላ ኣይኹን ቡዝሓት መፅናዕትታት ከምዝዉከስዎ ንመኻንነት ምኽንያት ክኸዉን ተራእዩ እዩ። እኹል ድቃስ ምስኣን ክብደት ሰዉነት ክዉስኽን ልዕሊ መጠን ርጉዲ ክህሉን ይገብር። ከምኡ እዉን ሕማም ሽኮርያ(DM)ን ምዉሳኽ ፀቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሱር ዝሰደዱ ሕማማት ናብ ክፉእ ብርኪ ክበፅሑ ይገብር። ናይ ዉፅኢት ድማ ናይ መኻንነት ዕድል ክዉስኽ ይኸዉን። 4. ልዕሊ መጠን ምጥቃም ካፌይን ሓደ ወይ ክልተ ኩባያ እዙይ ዝብሃል ጉድኣት ኣይህልዎን፣ግን ማዓልታዊ ናይ ካፊን ተጠቃሚን ካብ 400 ሚ.ግ ዝዛየደ እንተኾይኑ ናይ መኻንነት ሓደጋ ክዉስኽ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ጥንሲ ናይ ምንፃል ዕድል እዉን ክዉስኽ ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል እዩ። 5. ዘይምዕሩይ ወሲባዊ ርክብ ብወሲባዊ ርክብ ዝዛመቱ ሕማማት(STI) ክዉገዱ ዝኽእሉ ግን ክዓ ቁፅሪ ሓደ ንመኻንነት ዘቃልዑ ምኽንያታት እዮም። ድሕንነቱ ዘይሓለወ ወሲባዊ ርክብ ምፍፃም ናይ STD ተጠቃዒ ምዃን ጥራሕ ኣይኮነን ፀገሙ።ኣብ ጥዕና ስርዓተ ተዋልዶ ልዑል ጉድኣት የብፅሕ መኻንነት የምፅእ።ስለዝኾነ ድማ ምስኮነ ካብ ምጉሃይ ፈለማ ምኽልኻል ዝሓሸ ይኸዉን። 6. ዘየድሊ ናይ ምግቢ ተጠቃምነት ዝተበላሸዉ፣ብሓይሊ ዝተጠበሱን ብሽኮር ወይ ብጨዉ ዝትዓሸጉን ምግብታት ልዕሊ ዕቅን ርጉዲ ሰብነት ይምፅኡ።ብተወሳኺ ሕማም ሽኾርያ፣ሕማም ልቢን ናይ መኻንነት ዕድል ክዉስኽ ዝገብሩ ሕዱራት ሕማማትን የመፅእ።ብኣንፃሩ ጥዕኑኡ ዝሓለወንዝተመጣጠነ ምግቢ ምምራፅን ምምጋብን ኣብ ጥዕና ስርዓተ ምርባሕ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ምስ ብራይት ዌቭ ኢኹም ነይርኩም።ክሳብ ሕዚ ሳብስክራይብ ዘይገበርኩም እንተሃሊኹም ዋ! ደጊምኩም ሕሰብሉ! ኦ ያ! ናይ ሎሚ መደብ ነዙይ ይመስል ነይሩ ስለ እቲ ምክትታልኩም ኣዝየ እየ ዘመስግን።ብኻሊእ ትሕዝቶ ክሳብእንራኸብ ወድሓንኩም። //===========================================================//