У нас вы можете посмотреть бесплатно ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026) | SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀልቀል ኲናት ምህላወን መፅናዕቲ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ግጭታት ክትርኢ ከም ዘይትደሊ ገሊጹ። መንግስቲሶማሊላንድ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረቦ መደረ ኮኒኑ። ኬንያ ኣብ ምርግጋጽ ምትሕብባር ሩባ ኣባይ ገለልተኛ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ገሊጻ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መጠን ደሞዝ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልባኔስ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክወጹን ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱን ንዝፍትኑ ንሓደ ካብቶም 34 ኣውስትራሊያዊያን ኣንስትን ቆልዑን ጉጅለ I-S ግዝያዊ ናይ መእገዲ ትእዛዝ ሂቡ ። More from SBS Tigrinya: https://www.sbs.com.au/tigrinya #sbsaudiopodcast #sbstigrinya #tigrinya