У нас вы можете посмотреть бесплатно ሰላም ኣእምሮ ንምርካብ 5 ቀለልቲ መንገድታት። | Frezghi Tesfom или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
5 ways to find Peace Of Mind. ሰላም ኣእምሮ ኣብ ምርካብ ዝሕግዙኻ 5 ቀለልቲ መንገድታት። 1, ንግሆኻ ብሰላም ጀምራ። ብዝተኻእለካ መጠን ንንግሆኻ ብሰላምን ኣዝዩ ደስ ዘብል ኩነተ ኣእምሮ { መንፈስ } ጀምራ። ንሰላምካን መንፈስካን ዝርብሹኻ ሓሳባት ይኹኑ ካልእ ነገራት ወጊድ ብምባል፣ ብሰላም ዝተርፈት መዓልትኻ ኣስተማቕራ። መኽንያቱ ናይ ንግሆ ንጥፈታትና ንመዓልትና ስለ ዝቓንያ። 2, ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ይሓስቡ { ኣኡታዊ ኣተሓሳስባ } ኣይትገደሰሎም። ሰባት ብዛዕባይ ሕማቕ ይሓስቡ ኣለዉ ኢልካ ባዕልኻ ሰላም ኣእምሮኻ ኣይተህድሞ። መብዛሕቲኦም ብዛዕባ ነብሶም ክሓስቡ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ እዮም ተጸሚዶም ዝርከቡ። ወላ እንተ ተዛረቡ ውን፣ ንእንታይነትካ ክቕይሩ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ኣይትገደሰሎም። ልዕሊ ኹሉ ግን፣ ሰባት ብዛዕባይ ሕማቕ ይሓስቡ ኣለዉ ኢልካ፣ ኣብ ኣእምሮኻ ብዝፈጠርካዮ ሕማቕ ስእሊ ሰላምካ ኣይትኽሰር። 3, ኣብ ሕሉፍካ ዘበርከትካዮም ጽቡቓት ነገራት ጸሕፍ። ኣብዚ ውሽጢ 3 መዓልቲ ይኹን፣ ሰሙን ዝገበርካዮም ጽቡቕት ነገራት ኣብ ወረቐት ጽሓፎም። ንስድራቤትካ ዝሓገዝካዮም፣ ንሕሙም፣ ንሕዙን፣ ንቖልዑን ኣረገውትን ዝገበርካሎም ደገፍ፡ ዝተጎናጸፍካዮም ዓወታት.....ወዘተ ተገዲስካ ኣብ ወረቐት ጽሕፎም፣ ተመሊስካ ብህድኣት ኣንብቦም። ሽዑ ክሳብ ክንደይ ደስ ዘብል ስራሕ ከም ዝሰራሕካ ክበርሃልካ እዩ። እዚ ብምግባር ሰላም ኣእምሮኻ ክብ ኣብ ምባል ክሕግዘካ እዩ። 4, ብዕምቆት ኣስተንፍስ። ምስትንፋስ እቲ መሰረታዊ መስርሕ ናይ ወድ ሰብ እዩ። እንተኾነ ግን፣ ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ብቑዕ ኣተናፍሳ ዘስተንፍስ። ጸቕጢ ኣብ ዝስመዓና ግዜ፣ ብቑዕ ኣተናፍሳ ብምስትንፋስ ንዝስመዓና ጸቕጢ ኣብ ምግዳልን ኣካላትና ምሉእ ኦክስጅን ብምርካብ ግቡእ ስርሑ ኣብ ምግባርን ይሕግዘና። 5, ክትቖጻጸሮም ዘይትኽእል ነገራት ክትቖጻጸሮም ኣይትፈትን። ኩሉ ግዜ ኣብ ሂወትካ ክትቖጻጸሮ እትኽእል ጥራይ ዕየ። ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ዝኾኑ ነገራት ክትቖጻጸሮም ዓቕሚ ስለ ዘይብልካ ኣይትድከም፣ ኣብ ብስጭት ውን ኣይትውደቕ። ጸሓይ መሪራ ኢልካ ምኒን ካብ ትብል፣ ከመይ ጌረ ጽላል ክፈጥር ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ እዩ እቲ ንስኻ ክትቖጻጸሮ እትኽእል ነገር። ስለዚ ኣብ እንቆጻጸሮ ጥራይ ምድሃብ ካብ ጸቕጢ ከናግፈካ ይኽእል። የቐንየለይ! Music: That Kid in Fourth Grade Who Really Liked the Denver Broncos by Chris Zabriskie is licensed under a Creative Commons Attribution licence (https://creativecommons.org/licenses/...) Source: http://chriszabriskie.com/uvp/ Artist: http://chriszabriskie.com/ Minor With Cricket by Audionautix is licensed under a Creative Commons Attribution licence (https://creativecommons.org/licenses/...) Artist: http://audionautix.com/ The Temperature of the Air on the Bow of the Kaleetan by Chris Zabriskie is licensed under a Creative Commons Attribution licence (https://creativecommons.org/licenses/...) Source: http://chriszabriskie.com/uvp/ Artist: http://chriszabriskie.com/ Cryin In My Beer by Audionautix is licensed under a Creative Commons Attribution licence (https://creativecommons.org/licenses/...) Artist: http://audionautix.com/ © copyright- Mesobna Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited. ካብ YouTube ኣውሪድካ ኣብ ኣብ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣይፍቀድን። Subscribe:: / mesobnaloveu Facebook: / mesobna.de E-mail: [email protected]