У нас вы можете посмотреть бесплатно ንዝኽሪ ናይቶም “ውጻእ-መዓት”! или скачать в максимальном доступном качестве, которое было загружено на ютуб. Для скачивания выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса savevideohd.ru
ሞት መፈጸምታ ህይወት ናይ ኩሎም ትንፋስ ዝወነኑ ፍጡራት’ያ። ኣብ ሕብረተ-ሰብና’ውን፡ “ተወልደ ማለት ሞተ ማለት’ዩ!” ዝብል ኣበሃህላ’ሎ። የግዳስ፡ ከምዚ ኣብዚ ዩቱብ እንሰምዖ፡ እዋኑ ዘይሓለወ መቕዘፍቲ እውን’ሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ክልተ፡ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሎም ንሞት ንስክላ ዘምለጥዋ ብሉጻት ጋዜጠኛታት ተመራሪሖም ተፋኒዮሙና’ለዉ። ጋዜጠኛ ምልክያስ ምሕረተኣብን ሓው ኣሮን ብርሃነን። ስንባድን ሓዘንን ሞት ምልክያስ ከይተዛዘመ’ዩ፡ ሞት ኣሮን ድማ ብሃንደበት ዝተሰምዐ። ብዝኾነ፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማያትን ዘለኣለማዊ ዕርፍትን እናተመነና፡ ንስድራ ቤታቶም ከኣ ጽንዓት ክህቦም ንትስፎ። እዛ ጽሕፍቲ ድማ፡ ብምኽንያት፡ ሕልፈት ናይዞም ክልተ “ውጻዕ-መዓት” ዝተጻሕፈት እኳ እንተ-ኾነት፡ ብሓፈሻ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ‘ነጻ-ፕረስ ተፈቒድሉ ነይሩ’ ዝበሃል ግዜ ከመይ ምንባሩ እውን፡ ብፍላይ ነቶም ዘየርከብሉ እትገልጽ ጽሕፍቲ እያ። ሰሰናዩ!