У нас вы можете посмотреть бесплатно መስከረም፡ ወርሒ ፍትሕን ሰላምን! или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ዕለት 30 ወርሒ 09/ 2024 ኣብዚ ዕለት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ኡጋንዳ (ማሕበር Caritas) ሓደ ዓቢ መደብ ኣዳልዮም ዊዒሎም ኔሮም. እዚ መደብ ኩዉን ክከውን ዝጸዓረ ከኣ ኣቦ ወንበር ማሕበረኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ ቢንያም ሞኮነን ኣቀዲምና ነመስግን ዕላማ እዚ መደብ ከኣ ምስ ካልኦት ዜጋታት ዝምድና ምፍጣርን ሓድሕድ ምልላይን እዩ ኔሩ። እዚ መደብ ካብ ከተማ ካምፓላ 40km ሪሒቃ ኣብ ትርከብ ከተማ Entebbe ኣብ Leisure Park እዩ ተኻይዱ። እዚ መደብ ካብ ሰዓት 10፡00am ብቀጥታ ብናይ ጽሬት መድብ እዩ ጀሚሩ ካብ Leisure Park ናይ 1.5km ሪሒቁ ዝርከብ ቦታ መጀመርታ ጽሬት ምስ ተካየድ ቀጺሉ ከኣ ብ’ማርሽን ባድ ተሰንዩ ጎደናታት ከተማ Entebbe ጽሬት ተካይድሉ። ኣብዚ ጊዜ ኣዝዩ ቡሑሕ ሰብ ይሳተፍ ስለ ዝነበረ ኣቃልባ ነበርቲ እቶም ከባቢ ከይተረፈ ተሳሒቡ ደገፎም ክህቡ ጀሚሮም። ድሕሪ እዚ ከኣ ናብቲ ወግዓዊ ተዳልዩ ዝነበረ ቦታ ብ’ማርሽን ባድ ተመሪሕና በጺሕና። እዚ መደብ ሓደ ካብቲ ፍልይ ዘብሎ ኡጋንዳዊያን፣ ኤርትራዊያን፣ ኮንጉ፡ ሩዋንዳ፡ ኢትዮጵያ ዝተሳተፍዎ መደብ ምኻኑ እዩ። ብዝያዳ ከኣ ኣብ ኤርትራዊያ መንእሰያትን ዓበይትን ዘጠቃለለ ኣዝዩ ዝምስገን ቁጽሪ ህዝቢ እዩ ኔሩ። ምደብ ብጾሎት ምስ ተከፍተ ኣሳናዳኢ ናይቲ መደብ መኽፈቲ መደብ ክትገብር ንወኪል ስደተኛታት ኢርትራዊት ወይዘሮ ሮራ ናብ መድረኽ ዓዲምዋ። ንሳ ቀጺላ መጀመርታ ልባዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ ኣብ ሓፈሻዊ ኣነባብራን ኣብ ስደተኛታት ዝጋጥሙ ነኣሽቱ ጸገማትን ተዛሪባ ቀጺላ ውን ነዚ መደብ ዘዳለዉ ኣካላት ኣመስጊና ቀጻልነት ክህልዎ ከኣ ተላብያ። ሮራ ሓንቲ ነዚ መደብ ክዉን ንክከውን ብዙሑ ዝሰረሐት ሰብ እያ።ድሕሪ እዚ ብትካል ልምዓት ዩጋንዳ ዝተዳለው ኣትክልቲ ናብ ተሳተፍቲ ተበርኪቱ ወከልቲ በቴክርስቲያናትን ማሕበራትን ኣባላት ምእመናን ሞስሊምን ከኣ ተቀቢሎሞ። ቀጺሎም ኩላቶም ናይ ክብሪ ዑዱማት ናብቲ ብ’ኤርትራዊያን ኣዴታት ዝተዳለወ ባህላዊ መግቢ፡ ባህላዊ መስተ፡ ባህላዊ ክዳውንቲ ኩለን ኣዴታት ከኣ ንባህልን ልምድን ኤርትራ ዝውክል ኣልባሳት ጌረን ኔረን ብፍላይ ከኣ ብ’መንእሰይ ሚሊ ዝተዳለወን ባህላዊት ገዛ ናይ መርዓት ብሌን ተዓዚቦምን ኣድናቆቶም ገሊጾምን፡ ብማሕበር ኤርትራዊያን ወለንታዊያን ለገስቲ ደም ንዝቀረበ ምርኢት ቀጺሎም ተዓዚቦም። ቀባይ መንአይ ሳሙኤል ናይ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ቢንያም ግርማይ ቅብኣ ኣቅሪቡ ኔሩ ። መዛምራን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ኡጋንዳ ሓጺር መዝሙር ድሕሪ ምቅራቦም ከኣ መደብ ናብ ካልእ ምዕራፍ ተሰጋጊጉ። ኣብቲ መዓልቲ ብፉሉይ ደሚቆም ዝወዓሉ ኤርትራዊያን ካብ ቢሄረ ኩናማ ፍሉይ ህያብ ናብ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ኡጋንዳ ኣበርኪቶም። ንሳቶም ምስ መዝሙር ቢሄረ ኩናማ ተሰንዮም ምስቲ ደስ ዘብል ኣልባሳቶም እዮም ህያብ ኣበርኪቶም። ቀጺሎም ከኣ ዜጋታት ኮንጎ ባህላዊ ሳዕሳዒን ኣቅሪቦም ኩሉ ሰብ ከኣ ብተመስጦ ተኸታቲልዎም። ኣብ ምዝዛም እቲ መደብ ብመራሕቲ ሓይማኖት ቤተክርስቲያን እዳ ገብሪኤልን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ዝተገብረ ምሪት ኣቃልቦ ቡዙሓት ሰባት ሲሒቡን ዝያዳ ከኣ ውህደቶም ይድነቅ ኔሩ። ብመንእሰይ ያፌት ትእለ ጉጅለ ተላሂቲ ቢሄር ትግሪኛ ን’ትሽዓተ ቢሄራት ዝውክል ኣልባሳት ለቢሶም ከኣ ባህላዊ ሳዕሲዒት ምስ ወናማት ሃረብቲ ኮቦሮ ተሰንያ ኣደናቂ ምሪት ኣቅሪቦም ኩሉ ኣብቲ መደብ ዝሳተፍ ዝነበረ ሰብ ከኣ ምስኦም ሓቢሩ ሳዕሲዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብ’ዋሃቢ ቃል ማሕበር ኤርትራዊያን ወለንታዊያን ለገስቲ ደም መንእሰይ ዳኒኤል መደብ ተዓጽዩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ሓጺር ድሕረ ባይታ ማሕበር ኤርትራዊያን ወለንታዊያን ለገስቲ ደም ድሕሪ ምቅራብ ናይ መጻኢ መደባቶምን ዕላመኦምን ገሊጹ ቀጺሉ ውን ንኩሎም ኣካላት ደገፍ ዝገበርሎም ኣመስጊኑ። ኣብ ወዳእታ ከኣ እዚ መድብ ብፍሉያ ንኤርትራዊያን ልዑል ክብሪ ሂቡ ዊዒሉ ምክኒያቱ ምስ ዝነበረ ብዝሒ ተሳትፎን ነቲ መዓልቲ ኣብ ምድማቅ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ብኩሎም ኣካላት እዮም ተመስጊኖም። እዚ ከኣ ኩሉ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብር ሰብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ጽቡቅ ኣራእያ ክህልዎ ዝሕግዝ እዩ እሞ ኣብ ዝቅጽል ኩላትና ክንስዕቦ ክነዘኻክረኩም ንፈቱ። ኣብ መወዳእታ ነዚ መድብ ኩዉን ንክከውን ዝጸዓሩ ኣካላት ምስጋና ነቅርብ፡ ኣቦ ወንበር ማሕበረኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ ቢንያም ሞኮነን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ኡጋንዳ (ማሕበር Caritas)፡ ቤተክርስቲያን እዳ ገብሪኤል፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያት ኤርትራዊያን፡ ኣባላት ምእመናን ሞስሊም ሻሎም በቴክርስቲያን ኣዴታት ቁዱስ ገብሪኤልን (ማሕበር ኪዳነምህረት)፡ ኣዴታት ካቶሊክ ቤተ-ክሪስቲያን ሊ’ካፈ፡ ተላሃይቲ ጉጅለ ባህሊ ማሕበረኮም ኤርትራ ኣን ኡጋንዳ ካዛብላንካ ሬስቶራንት፡ ትርሓስ ፍስሃየ (ባርያ) ጸሓፋይ ማሕበራዊ ገጻት ኣቶ የማነ ሃይለ ኣባላት ማሕበር ኤርትራዊያን ወለንታዊያን ለገስቲ ደም ኢስት ኣፍሪቃ ኢንተርናሽናል መዲካል ሰንተር በሓፈሽኡ ከኣ ንኩሎም ተሳተፍቲ ክነመስግን ንፈቱ። መተሓሳሰቢ ከምዚ ዓይነት መደብ (ማሕበር Caritas) ኣብ ካልእ ሃገራት ጥራይ እዩ ዝካየድ ኔሩ ሕጂ ግን እዚ ሰናይ ተበግሶ ኣብ Uganda ጀሚሩ ኣሎ እሞ ነዕና ከም ሕብረተ ሰብ ውን ብዙሕ ረብሓታት ክንረክበሉ ስለ ንኽእል ኩላትና ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ክንስዕቦ ነዘኻኽር። ኢስት ኣፍሪቃ ኢንተርናሽናል መዲካል ሰንተር #edenteklit #erionetouchentertainment #eritreanbestmusic #habesha #eritrea #eritreanfilm #eritreancomedy #eritreanews #ethiopianmusic #tigrinamusic #amharicmusic #eritreansong #eritrean #newethiopianmusic #amharicmusic #habeshatiktok #ethiopianmusic #neweritreanmusic2022 #neweritreanfilm #neweritreanvideo #neweritreanmusic2020 #ethiopianmusic #wolayta #ethiopianmusic2022 #ethiopian #habeshamusic #habeshatiktok #habeshaculture #habeshamemes #habeshafashion #tigrinamusic #eritreanbestmusic #eritreanbestguayla #neweritreanfilm #eritreanmovie #eritreanfilm #eritrean #eritreancomedy #tigrinamusic #eritreanbestmusic #eritreanbestmusic #eritreanbestmusic #besteritreanguayla #eritreanmusic2022 #eritreanbestguayla #ethiopianmusic2022 #ethiopianmusic #ethiopian #ethiopianfilm #ethiopiancomedy #ethiopiantiktok #newethiopianmusic #newethiopianmusic2022 #newethiopianmusic2020 #newethiopianfilm2021 #tigrinaderfi #tigrinamusic20121 #habeshamusic #habeshatiktok #habesha #habeshaculture #habesha #oromomusic #eritreanwedding #eritreanculture #ethiopianculture #tigrina #eritreanews #eritreantiktok #eritreanguayla #tigrinacomedy #nahootv #nahomrecordsinc #eritreanmusic @ebstvWorldwide #eritrean #neshneshtv #bahgnatv #africanmusic #edenteklit #newtigrignamusic #culture @BAHGNATV @ATAMedia @amenentertainmentmusic @HDMONANEBARIT @NahomRecordsIncMusic @NahooTVEthiopia #eritv @EriTVEritreaOfficial @YonasMaynas