У нас вы можете посмотреть бесплатно New Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur ( መዝሙር፡51) или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
መዝሙር 51 ኦ ኣምላክ ምእንቲ ዘልኣለማዊ ምሕረትካ ኢልካ ይቅረ በለለይ ምእንቲ ዓቢ ርሕራሔኻ ኢልካ ከኣ ኣበሳይ ደምስሶ ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቅካ ሕጸበኒ ካብ ሓጢኣተይ ውን ኣጽርየኒ ኣነስ ኣበሳይ እፈልጥ ኣለኹ ሓጢኣተይ ውን ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ`ዩ ኣነ ንዓኻ ንዓኻ ንበይንካ ጥራይ በደልኩ ኣብ ቅድመኻ ውን እከይ ገበርኩ ስለዚ ክትፈርደኒ ሓቅኻ ኢኻ እንተ ቀጻዕካኒ ውን ቅኑዕ ኣሎኻ እንሆ ካብ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ጀሚረ ሓጥእ እየ ካብ ኣደይ ዝጠነስትኒ መዓልቲ በደለኛ `የ ንስኻ ቅንዕናን ሓቅን ኢኻ ትፈቱ ጥበብ ምሃረኒ ካብ ሓጢኣተይ ምእንቲ ክነጽህ ኣጸቢቅካ ኣጽርየኒ ካብ በረድ ክጽዕዱ ሕጸበኒ ባህታን ሓጎስን ኣስምዓኒ ሽዑ ሽሕ እኳ ቀጥቂጥካኒ እንተነበርካ ክሕጎስ`የ ክሕጎስ እየ ንገጽካ ካብ ሓጢኣተይ ከውሎ ንብዘሎ ኣበሳይ ውን ደምስሶ(2) ኦ ኣምላክ ጽሩይ ልቢ ፍጥረለይ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድሶ ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ ቅዱስ መንፈስካ ከኣ ውን ኣይትግደፈኒ ሓጎስ ምድሓንካ ምለሰለይ ፈትየ ክእዘዘካ ደግፈኒ(2) ሽዑ መንገድኻ ንሓጢኣን ክምህሮም እየ ንሳቶም ድማ ናባኻ ክምለሱ እዮም ኦ ኣምላክ ኣምላክ ምድሓነይ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒ ቅኑዕ ከም ዝኾንካ ከኣ ብእልልታይ ክበስር`የ(2) ጎይታይ ምስጋናኻ ክነግር ሲ ክእለት ዘረባ ሃበኒ መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ ንመስዋእቲ ምሕራር ውን ኣይትብህጎን ኢኻ እትብህጎ እንተትኸውን ግና መቅረብኩልካ ኔረ (2) ኦ ኣምላክ እቲ ንዓኻ ዘቅርቦ መስዋእተይ ትሑት መንፈስ እዩ ንስኻ ድማ ንትሑትን ንዝተጣዕሰን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ(2) ንእንባ ጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ መካበብያታት ኢዮሩሳሌም ንደቅ(2) ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂ ብዝሓርር መስዋእቲ ብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ ሽዑ ኣብ መሰዊኢኻ ኣራሑ ክቅርቡልካ እዮም። ወስብሓት ለእግዚኣብሔር !!!