У нас вы можете посмотреть бесплатно 6፡ይ ክፋል|ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም|ባረኾም|በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ|ስሞም|ኣዳም ኢሉ ኣውጽኣሎም|ዘፍጥረት 1፡27፤5፡2|ዓርቢ 21/07–2023 или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ሻሎም ቅዱሳን!! ብዅሉ ነገር እናተንከባኸበን ፤ እናመሓረን ፤ እናመርሐን … - ዘብጸሓና ህያው ኣምላኽና ክብሪ ዅሉ ነቲ ህያው ስሙ ይኹን እብል። ንኣገልግሎትና ፍሉይ ዝገብሮ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ኣብ/ብመገዲ መድያ “PALTALK” ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ. ዝጀመረን ዝተበገሰ ኣገልግሎትና ናብ መገዲ ፈይስቡክን ዩቱብን ካልእ መርበብ ሓበረታ . . .. ሰፊሑን፡ ዓብዩን፡ ማዕቢሉን። ኣገልግሎትና ኣዝዩ እናሰፍሐን፡ እናዓበየን ካብ ምኻዱ ሓሊፉ፡ ኣዝዩ ሰፊሑ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብስም ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ፡ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት፡ ንምድሓንን፡ ፈውስን፡ ምንጋፍን፡ እቲ ህያው ኣምላኽ ስለ እተጠቀመልና እዩ። ንብዙሕ ንበረኸት ገይሩና። እዚ ኣገልግሎትና ብመንገዲ YouTube ከኣ ይመሓላለፍ’ዩ። “ጽንፈለኻዊ ኣገልግሎት መርሖ-ሰማያት (MERHOSEMAYAT – Keys of Heavens Apostolic and Prophetic International Ministries) (1) ብመገዲ Facebook (2) ብመገዲ youtube ፡ ከምኡ’ውን (3) ብመገዲ ኣገልግሎት “ዙም (ZOOM) ‘ዓውዲ ኣራውና!’ (4) ብኣካል ኣብ ንገብሮም ስሩዓት ናይ ጸሎት መደባትና - ኣብ ወርሒ ሓንሳብ - ዝግበር መደብ ጸሎትናን (5) ብኹሉ ንገብሮ ኣገልግሎታትና፡ በቲ ዘሎና ህሉው፡ ዕውት፡ ኣገልግሎታትና፡ ሕጂ’ውን ክብሪ ኹሉ ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ይኹን። 2023 ዓ.ም.ፈ. “The Year of RESTITUTION!” “ዘመን ምቕናዕ ፤ ዘመን ዕረፍቲ ፤ ዓመት ምምላስ/ካሕሳ!” “ክሳዕ እቲ፡ ምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ” (ግብሪ ሃዋርያት 3፡21) “RESTITUTION - (apocatastasis panton, in the Vulgate restitutio omnium) "ምምላስ ኵሉ" (ኣፖካታስታሲስ ፓንቶን ኣብ ቩልጌት ሪስቲቱቲዮ ኦንዩም) ||እታ ኻብቲ ቐዳማይ ቀኖናዊ ሕጊ ኸም ዝመጸት ዚንገረላ ቓል ናብ - ቀደሙ ምምላስ - ናብቲ ናይ መጀመርታ ዅነታቱ ምምላስ ማለት እያ ።|| ” “ዘመን ምቕናዕ ፤ ዘመን ዕረፍቲ ፤ ዓመት ምምላስ/ካሕሳ!” - እዩ ኢሉ እቲ ናይ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር!። ኣብ’ዚ ዘሎና ኣገልግሎታት ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት፦ (1) ነፍሳት ድሒኖም - ይድሕኑ ድማ ኣሎው። (2) ተናጊፎም - ይናገፉ’ውን ኣሎዉ፦ ካብ ብዙሕ ማእሰርቲ ኣጋንንትን - ካልእ ዝተፈላለየ ዓይነታት ማእሰርትን ጸቕጥታትን …. ማለትና እዩ። (3) ፈውሶም ተቐቢሎም ፤ ይቕበሉውን ኣሎዉ። ጐይታ ዝፈወሶም ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፦ - መንፈሳውን ነፍሳውን ኣካላውን ፈውሲ - (4) ካብ’ቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ከኣ ናይ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ጸገማት መፍትሒ ረኺቡ፡- ይረክብ’ውን ኣሎ። (5) በቲ ነፍሲ ወክፍ መዓልቲ ንመሃሮ ቃል ህያው ኣምላኽ ከኣ ብዙሓት - ተጸናኒዖምን ተናጊፎምን /ይጸናንዑን ይፍወሱን … ካልእውን ንሕና ዘይንፈልጦ - እግዚኣብሔር ጥራይ ዝፈልጦ - … ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ይገብር ኣሎ። ካልእ ፍልይ ዝበለ ከኣ፦ (6) ምጅማር ወርሓዊ መደብ ጸሎት ኣብ ከተማ "ስቶክሆልም" እዩ። ሕጂውን ክብሪ ኹሉ ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ይኹን። “(14) ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ እቲ ኺልእኮምን፡ … (15) ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲ’ውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም።” (ወንጌል ማርቆስ 3፡14.15) "ነቶም ናብ ሞት ዚጒተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።" (ምሳሌ 24፡11) ። “ገደብ-ኣልቦ ሓይሊ ህያው ኣምላኽ ኣብ ሽዱሽተ ንጥቀመሉ ማሕበራዊ መራኸቢ፦ ማለት፡ ኣብ፦ (1፡ይ) ብመገዲ Facebook – ናይ Facebook ጥራይ ኣርባዕተ መጠቀሚ መገዲ ኣሎና፦ (1.1) (1፡ይ መጠቀሚ) / pastorabraha. . ፤ (1.2) (2፡ይ መጠቀሚ) / merhosemayat ፤ ከምኡ’ውን፡ ተኻፈልቲ ጾምን ጸሎትን 21 መዓልታት - ዝተመዝገቡ ጥራይ ዝጥቀሙሉ ፍሉይ መራኸቢ መገዲ (1.3) (3፡ይ መጠቀሚ) (20) Xomn Xelotn Merho Semayat | Facebook ፤ (1.4) (4፡ይ መጠቀሚ) / abraham.fess. . (2፡ይ) (5፡ይ መጠቀሚ) ብመገዲ youtube ፡ merhosemayat ፤ ከምኡ’ውን (3፡ይ) (6፡ይ መጠቀሚ) ብመገዲ ኣገልግሎት “ዙም (ZOOM) ‘ዓውዲ ኣራውና!’ (Join a meeting ID Number …..) ። ሎሚ ድማ ንርእዮ - ንቡር ምህሮ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። #ተባዕታይን #ኣንስተይትን #ገይሩ #ፈጠሮም።” (ኦሪት ዘፍጥረት 1፡27) “#ተባዕታይን #ኣንስተይትን #ገይሩ #ፈጠሮም፡ #ባረኾም ድማ። በታ #እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ #ስሞም ኣዳም ኢሉ #ኣውጽኣሎም።” (ኦሪት ዘፍጥረት5፡2) ” ከምኡ’ውን “ኣፈጣጥራ ሰብ| ብመልክዕና …. ብምስልና ። 'ቲ ህያው ኣምላኽ ሰብ'ዩ ፈጢሩ። ... ካብ'ቲ ሎም መዓልቲ/ምሸት ዓርቢ 21/07-2023 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 21:30 CEST ንዛረበሉ ዓብይ ኣርእስትና "ንቡር ምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ" ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ብዛዕባ ((***#መንፈስ፡ #ነፍሲ #ስጋ/ኣካል/ ሰብነት***)) ”እምብኣርከ #ስጋ ብዘይ #መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያእቆብ 2፡26)። ”#ብናይ #ውሽጢ #ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ።” (ሮሜ 7፡22) ”ብመንፈሱ ኣብቲ #ናይ #ውሽጢ #ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ።” (ኤፌሶን 3፡16)። "እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ #ናይ #ወጻኢ #ሰብና [#outward #man] እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ #ውሽጥና [#inward #man] ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።" (2ይ ቆረንቶስ 4፡16-17)። ውሽጣዊ ሰብ ኣሎ፡ ናይ ወጻኢ/ደጋዊ ሰብ ኣሎ። እቲ ሓቀይና ሰብ ፤ እቲ #ናይ #ውሽጢ #ሰብ'ዩ። ስለዚ ሰብ ስጋ/ ሓመድ ኣይኰነን።(1) ሰብነት/ኣካል/ስጋ (Body) ካብ ሓመድን፡ ብሓመድ ዝቖመን እዩ። (ዘፍ. 2፡7፤ ዘፍ. 3፡19)። “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ #ካብ #ሓመድ #ምድሪ #ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍ.. 2፡7) “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። #መሬት #ኢኻ #እሞ፡ #ናብ #መሬት #ድማ #ትምለስ በሎ።”(ዘፍ. 3፡19)። (2) እቲ ውሽጣዊ ሰብ ተፈጢሩ/created (ዘፍ. 1፡26-27፤ 5፡1-2)። “(26) ኣምላኽ ከኣ #ብመልክዕና #ኸም #ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኲሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። (27) ኣምላኽ ድማ #ብመልክዑ #ሰብ #ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ #ፈጠሮ። #ተባዕታይን #ኣንስተይትን #ገይሩ #ፈጠሮም።” (ዘፍ. 1፡26-27) “(1) መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፡ ኣምላኽ በታ #ንሰብ #ዝፈጠረላ መዓልቲ #ብምስሊ #ኣምላኽ #ገበሮ። (2) #ተባዕታይን #ኣንስተይትን #ገይሩ #ፈጠሮም፡ ባረኾም ድማ። በታ #እተፈጥሩላ #መዓልቲ ኸኣ #ስሞም #ኣዳም #ኢሉ #ኣውጽኣሎም።” (ዘፍ. 5፡1-2)። .... #ፍልልይ #ኣብ #መንጐ #ምስልን #መልክዕን ... “እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያእቆብ 2፡26) “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ።” (ሮሜ 7፡22) “ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ።” (ኤፌሶን 3፡16) “ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ክርከብ ይተሓሎ።” (1ተሰ. 5፡23) ። ዓርቢ ዕለት 21/07-2023 ዓ.ም.ፈ. ኣብ YOUTUBE MERHOSEMAYAT -- SUBSCRIBE and Like ምግባርን ነታ ደወል ምጽቃጥን ኣይትረስዑ! መመልሽኩም ተባረኹ። Share! Share!! በልዎ።