У нас вы можете посмотреть бесплатно "ንፀላኢ ካብ ትሓድጉና - ቅተሉና ኢልናዮም!" или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ኣብ ቃልሲ እቲ ዝኸበደ ነገር ኣብ ኢድ ፀላኢ ምውዳቕ እዩ። ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቕካ ዝበፅሐካ ኣካላውን ስነልቦናውን ሃሰያ ብቓላት ተገሊፁ ዝልካዕ ኣይኮነን። ጅግና ተጋዳላይ ክብሮም ኣለነ ካብዚ ዕፃ እዚ ዘምለጠ ኣይኮነን። ኣብ ከተማ ግጀት ተወሊዱ ዓብዩ፤ እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ከም ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ተጋዲሉ። ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ዝኸኣለ ኣብ ማልሳ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ስልቲ ውግኡ ካብ ምጥቃዕ ናብ ምክልኻል ተሰጋጊሩ ተመለስ ተባሂሉ ብሰማይን ብምድርን ሓዊ ተዓጂቡ እናንሰሓበ ከሎ ከቢድ መውጋእቲ ድሮን የጋጥምዎ። ዙርዩኡ ብሙሉኡ ሬሳ ብፃቱ መልአ። ንባዕሉ 'ውን ብዘይካ ፀጋመይቲ ኢዱ መላእ ሰውነቱ ለሚሱ ክንቀሳቐሰሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ በፀሐ። ብፍጥነት ካብቲ ቦታ እንተዘንርሒቖም እናተሃንደደ ይመፅእ ዘሎ ፀላኢ ከቃብፆም እዩ። እታ ቅፅበት ኣሸንኳይዶ ውቑዕ ሒዝካ ክትስጉም ዝዓተርካያ ብረትኳ ተሓንጊጥካ ንኽትሃድም ዘይትፈቅድ ቀጣን ግዜ ስለዝነበረት ኣብቲ ቦታ ንሱን ሬሳታት ብፆቱን ጥራሕ ተረፉ። ኣብዚ ግዜ ቅድሚ ፀላኢ ናብቲ ቦታ ህዝቢ ባቲ በፅሑ፤ ብዘይተፀበዮ መልክዑ ድማ ፀይሮም ወሲዶም ካብ መርሸንቲ ኣድሐንዎ። ንልዕሊ 20 መዓልትታት ህዝቢ ባቲን ገርባን ንዚ ውቑዕ ተጋዳላይን ካልኦት ከባቢ 30 ዝኾኑ ብፃቱን እናሓከሙ፣ እናብልዑን እናስተዩን ፍሉይ ምንክብኻብ ገበርሉ። ክሳብ ሰራዊት ኢትዮጵያ መፂኡ ናብ ማሕዩር ኣዋሽ ኣርባ ዝወስዶም ካብ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ተኸላኺልሎምን ሓብሒብዎምን። ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ዓዶም ካብዝተመለሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ሓደ ኮይኑ መሬት ዓዱ ንምርጋፅን ዘደምም ታሪኹ ንምውጋዕን በቒዑ። እዚ ታሪኽ - ታሪኽ ተጋዳላይ ክብሮም ኣለነ እዩ። ይከታተሉ።