У нас вы можете посмотреть бесплатно ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ናይ ወፈያ መደብ Fundraising Program или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
E-transfer: qudusmikael@gmail.com GoFundme: https://gofund.me/6e952e9db Paypal: https://www.paypal.com/donate/?cmd=_s... በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ። ህልው ኩነታት ቤተ ክርስትያና ብናይ ውልቃውያን ኣለቃሕቲ (Private leanders) ተለቂሓ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒሓ፣ እንተኾነ እቶም ውልቓውያን ኣለቃሕቲ ገንዘብ ወስኹ ስለ ዝበሉና በዚ ምኽንያት እዚ ቤተ ክርስትያና ኣብ ሓደጋ ትርከብ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብፍላይ እቶም ኣለቃሕቲ መጠን ገንዘብ ወሲኾም ነዚ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ስለ ዝወሰኽዎ ልዕሊ ዓቐን ቤተ ክርስትያን ክኸውን ጸኒሑ። ነዚ ፈተና ንምፍታሕ ድማ እቶም ኣባላትና ብዙሕ ግዜ ፕሮግራማት ብምስራዕ ነዚ ኽፍተት ክሽፈን ተፈቲኑ። እንተኾነ ኻብ ዓቕሚ ኣባላትና ንላዕሊ ስለ ዝኾነ እዚ ጸገም፣ ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያን መእመናን ሓገዝ ክንሓትት ወጺእና ኣለና።ናይዚ ፍታሕ ድማ ኣብ ናይ ባንክ ሞርጌጅ ንምእታው እዩ። ኣብዚ ተሓሲቡ ዘሎ ንምእታው ክሳብ 300ሽሕ ዶላር የድሊ ኣሎ። መባእና/ዕሽርና ኣብዚ ነወፊ። ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትኩም ኣብ ዘለኹሞ ቦታ ይኹን! ምኽንያት online ፋንድረይዚንግ እዚ ዝግበር ዘሎ ፋንድ ረይዚንግ (ናይ ሓገዝ መደብ) ኣቐዲሙ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክፍተን ዝጸንሐ ኮይኑ ሕጂ ግን ውጽኢታዊ ንሙዃን ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያን መእመናን ሓገዝ ክሕተት ወጺእና ኣለና። እዚ ሓገዝ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያን ንኸይትዕጾ፣ ካብዞም ናይ ብሕታውያን ኣለቃሕቲ ገንዘብ ወርሓዊ ልዕሊ መጠን ዝበልዑና ዘለዉ ወጺእና ኣብ ናይ ባንክ ኣብ ዝሓሰረ ኣቲና ንቤተ ክርትያን ከነውሕስ፣ እዛ ቅድስት ቤተ ክርትያን ሒዛቶ ዘላ ኣገልግሎት ዕላማን መደብን ንኸይቛረጽ ናብ ህዝቢ ወጺእና ሓገዝ ምሕታት ኣዩ። 1.እዚ ድማ (ጸሎተ ሐይማኖት) “ወነኣምን በኣሃቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን” ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ነኣምን ፣ ኢልና ስለ እነኣምን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ቤተ ክርስትያናት ሓንቲ ኢየን ኢልና ስለ እነኣምን። 2.እዚ ነዓና ብዓቕሚ ኣባላትና ኣዝዩ ከቢድ ሽግር፣ ኣብ ብዙሓት እንተ ተመቒሉ እዚ ሽግር እዚ ግን ወዉሑድ ንኹሉ ሰብ ዓቕሙ ክኸውን ስለ ዝኽእል። 3.እዚ ቤተ ክርስትያን ንብዙሓት ጽላል ኮይኑ ካብ ዝተፈላለየ ዓለም ንዝመጹ ምእመናን የገልግል ስለ ዘሎ እዚ ኣገልግሎት ንኸይባተኽ/ንኸይቛረጽ ናይ ኩሉ ህዝቢ ከም ዝኾነት፣ ካብ ኩሉ’ውን ሓገዝ ክትቅበል ከም ዘለዋ ርድኢት ንምግባር ኢና ወጺእና ዘለና። ስለዚ ብወፈያ ሓጉዙና! ዕላማ ናይዚ ቤተ ክርስትያን ቤተ ክርስትያን ናይ ኩሉ ጽላል ከም ዝኾነት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ስደትና እዚ ንሕብረተ ሰብና ኣዝዩ ኣገዳሲ፣ ምስ ኣምላኽና እተራኽበና፣ ኣብ ግዜ ሽግርና መጸናንዒትናን መተኣኻኸቢትናን። ብማሕበራዊ ሂወት ከይተረፈ ትድግፈና ጽላልና እያ ብፍላይ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ቅዱስ ሚካኤል ቶሮንቶ ኣብ እስካርብሮ እትርከብ ካብ ዝተፈላለየ ዓዲ ንዝመጹ ኣመንቲ እትህቦ መንፈሳዊን ስጋውን ኣገልግሎት ንኸይብተኽ ብዙሕ ትጽዕርን ትደክምን። ናይ ኣገልግሎት መደብ ንህጻናት መምሃሪ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ፕሮግራም ንምእመናን ምእላይ፣ ተጠቃሲትን ካብ ኣብ ናይ ስደት ዘለዋ ቤተ ክርስትያናት ኣብነታዉት ሙዃና ይፍለጥ። እዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ክሳብ መወዳእታ ሒዛቶ ክትከይድን ክትዕብዮን እዩ ዕላማኣ! እዚ ዕላማ’ዚ ከይዕንቀፍ ድማ እዚ ግዜያዊ ናይ ገንዘብ ሽግር እዚ ገጢሙ ዘሎ ሽግር ናይ ኩልና ሽግር ሙዃኑ ተረዲእና ናይ ኩሉና ክርስትያናዊ ግዴታ ከም ዝኾነ ተቐቢልና ወፈያና ንሃብ/ንደግፍ። ናይ መጻኢ ዕላማና ናይ ቤተ ክርስትያን ድማ ንኹሉ ሰብ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምቕራብ ንምግልጋል ኣብ ግዜ ስደት መዕቖቢቱን መጸናንዒቱን ዝኾነት ቤት ምህናጽ እዩ። ነቶም ኣብ ስደት ዝውለዱ ደቅና ድማ ብስነ ምግባርን ብዝድለ ኣገባብን ተኾስዂሶም ንኽዓብዩላ ናይ መጻኢ ጉልበት ዘለዋ ቤት ስለ ዝኾነት፣ በዚ ዕላማ እዚ ተበጊስና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!