У нас вы можете посмотреть бесплатно #ታሪኽ или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
#ተምሃራይ ሊላይ ተስፋይ ብሰንኪ ሕማም ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ኣካል 14 ዓመት ክሳብ ዝመልኦ ዕድል ትምህርቲ ከይረኸበ እዩ ፀኒሑ።ኣብ መበል 14 ዓመቱ ግና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተካይዶ ኣብ ዘላ ፕሮግራም ዝተዋደደ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ተሓቚፉ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ኣኸዛ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ እናተኸታተለ ይርከብ። ተምሃራይ ሊላይ ተስፋይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘመቻቸወቶ ባይታ ክመሃር ዕድል ዋላ እንተረኸበ ብዘለዎ መጉዳእቲ ኣካል ግና ንኸባቢ 30 ደቓይቕ ካብ ገዝኡ ናብ ቤት ትምህርቱ ተፋሒኹ ንምምሃር ኣዝዩ የፀግመሉ ከም ዝነበረን ትምህርቱ ዳግማይ ከይተኣጓጎልን ፍርሒ ይፈጥረሎም ከም ዝነበረ እዩ ወላዲኡ ዝዛረቡ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኣብ ማልት መተሓባበሪ ዝተዋደደ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ወረዳ እንደርታ ብዝሃቡዎ ጥቆማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድማ ካብ ሰን ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ሓገዝ ዊልቼር ንተምሃራይ ሊላይ ኣረኪባቶ እያ። ተምሃራይ ሊላይን ወላዲኡን ድማ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ካብ ልቢ ብምምስጋን ብዘላቕነት መፍትሒ ዘኸውን ናይ ሕክምና ዕድል ንኽረክብ ሓገዝ ወገናቶም ከይፍለዮም ይላበዩ። ኣብ ፕሮጀክት ካልኣይ ዕድል ዝተረኸበ ብሉፅ ተመኩሮ ብምስፋሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ሉሚኖስ ፈንድ ብምትሕብባር ፕሮጀክታት ዝተዋደደ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ኣብ ራያ ዓዘቦ እንዳመኾኒ፣ እንደርታን እምባኣላጀን ን4,800 ህፃናት ከምኡ’ውን ብመርሃ ግብሪ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ኣቢሉ ኣብ ወረዳታት እንደርታ፣ እንዳመኾኒን ራያ ዓዘቦን ን3600 ህፃናት ተምሃሮ ይወሃብ ከምዘሎ በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መዘነኦም ናብ ዝበፅሕዎ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ትምህርቲ ዝሓልፍሉ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተሳልጥ ኣላ።