У нас вы можете посмотреть бесплатно Mezmur: Eme Berhan (እመ ብርሃን) или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
እመ ብርሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና: ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ: ካብ ጐደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ /2/ ዕላማ ናይ ምፍጣረይ ኔሩ ንኸመስግን ብናይ ጽድቂ ጐደና ንኽመላለስ'ውን ኣይከኣለትን ሥጋይ ክትእዘዝ ንነፍሰይ ሕጂስ በርቲዑኒ'ሎ ናይ ሓጢኣት ስቓይ እመ ብርሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና: ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ: ካብ ጐደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ ጐይታይ ስለይ ምስቃሉ ብዕላማ ኔሩ ሰላም ንኽህበኒ ጸላኢ ኣሲሩ ውዕለት ስቕለት ቀራንዮ ከይሃስስ ካብ ልበይ ስለይ ቁሚ ድንግለይ ክዓቢ ልቦናይ እመ ብርሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና: ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ: ካብ ጐደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ ትእዛዛቱ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሕልናይ ትግሃተይ ተዘሪጉ ይሰዓር ብሥጋይ ምረት ሲኦል ክሓስብ ተዝኽእል ንኻልኢት ምዓረፈ'ዶ ሥጋይ ካብዚ ኽፉእ ትምኒት! እመ ብርሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና: ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ: ካብ ጐደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ የለን ከማኺ ማርያም ጭንቀይ ዘካፍሎ ዝኽርኺ በረኸት'ዩ ሰላም ንኣእምሮ ተስፋ ጉዕዞ ሕይወተይ ድንግል ተለመኒ ስምኪ ጥዑም መኣዛ ስንቂ ይኹነኒ እመ ብርሃን ምርሕኒ መንገዲ ቕድስና: ንኽትተግህ ነፍሰይ ወትሩ ንምስጋና ስፍራ ቕዱሳን ክኸውን እቲ ናተይ ርስተይ: ካብ ጐደና ኣበሳ ኣውጽእያ ነፍሰይ /2/ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara.