У нас вы можете посмотреть бесплатно ቀዳማይ፤ ዘበራትዕ ሓሳብት ኢዩ፤ ራእይካ ኣስፍሕ или скачать в максимальном доступном качестве, видео которое было загружено на ютуб. Для загрузки выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием видео, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса ClipSaver.ru
ቀዳማይ፤ ዘበራትዕ ሓሳብት ኢዩ፤ ራእይካ ኣስፍሕ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ንዕርፍቲ ይኸይድ። ንፋዕ ሰብኣይ፡ ኣብ ሕይወቱ ማእከላይ ደርጃ ሕይወት ዝተዓወተ ኢዩ ነይሩ። እቲ ክብጽሖ ዝነበረኒ በጺሔ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክቅጽል ኣይክእልን ኢሉ ክሓስብ ጀሚሩ። ዓርኩ ንእኡን ሰበይቲን ኣብ ገምገም ባሕሪ ከዛውሮም ከሎ፡ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝተሃንጸት ኣዚያ ጽብቅቲ ገዛ ትጸንሖም። ክርእዩዋ ከኣ ጠጠው ይብሉ። ኣብ ልዕሊ ጽባቄኣ ብኣእዋምን ዕንባባታትን ተኸቢባ፡ ምስቲ ኣዚዩ ሰላማዊ ከባቢን፡ ንባሕሪ ዝጥምት ኣቀማምጣአን፡ ንዝኾነ ርኣይኣ ተቅንእ ገዛ ኢያ። እቲ ሰብኣይ ነታ ገዛ ብኣድናቆት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ንዓርኩን ሰበይቱን ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ክነበር ኣይሓስቦንኳ ይብሎም። ሽዑ ንሽዑ ብውሽጡ ኣይትሰከፍ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽቡቅ ቦታ ኣይትቅመጥን ኢኻ ዝብል ጽምጺ ይሰምዕ። በቲ ዝመጾ ሓሳብ ተገሪሙ፡ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ማለትካ ኢዩ ኢሉ ይሓትት። ኣቀዲምካ ክትሓስቦ ክሳብ ዘይከኣልካ፡ ኣቀዲምካ ክሳብ ክትርዮ ዘይከኣልካ፡ ፈጺሙ ክኾነልካን ክትርእዮን ኣይክእልን ኢኻ ዝብል መልሲ ይመጾ። እቲ ሰብኣይ ጸቢብን ሓጺርን ኣረኣእያኡ ናብ ዘለዓለ ደረጃ ከይድይብ ይዓግቶ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ሽዑን ኣብቲ ዝነበሮ ከሎ፡ ዝበለጸ ነገር ክገበር ከም ዝኽእል፡ ኣምላኽ ገና ዝበለጸ ክህቦም ከም ዝደሊ ክኣምን ወሲኑ። ኣብ ሕይወትናውን ልክዕ ከምኡ እዩ። ነቲ ክንኮኖን ክህልወናን ንደልዩ፡ ቅድሚ ብግብሪ ወይ ብጭቡጥ ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጥና ክንጸንጾ፡ ክቀርጾ ወይ ክንርእዮ ኣሎና። ጽቡቅ ነገር ክህልወና ከም ዝኽእል እንተ ዘይሓሲብና፡ ጽቡቅ ነገር ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዕንቅፋት ኣብ ኣእምሮና (ሓሳብና) ኢዩ ዘሎ። ዘይንምዕብል ወይ ዘይሓልፈልና ኣምላኽ ዘድልየና ዕጥቂ ሰለ ዘየዕጠቀና ወይ ዝኣክል ህያብ ስለ ዘይቢልና ኣይኮነን። ዝበለጸ ኣምላኽ ክህበና ዝደሊ ከይንቅበል ዝዓግተና ወይ ዕንቅፋት ዝኾነና፡ ጸቢብ ሓጺር፡ ግጉይ፡ ኣተሓሳስባና ኢዩ። ንስኻውን ድሮ ኣብ መጨረሻ በጺሐ ኢላካ ትሓስብ ትኸውን። ካብዚ በጺሐዮ ዘሎኹ ንላዕሊ ክቅጽል ኣይክእልን ትብል ትኸውን። ኣብ ሕይወተይ ዓበይቲ ነገራት ክገበር፡ ዓቢይ ኣበርክቶ ክገበር፡ ካልኦት ሰባት ዝበጽሕዎ ጽቡቅ ሕይወት ክነበር ኣይክእልን ትብል ትኸውን። ኣረኣእያኻ ክትቅይር እንተ ዘይወሲንካ፡ ብርግጽ ዓበይቲ ነገራት ክትገበር፡ ዓቢይ ኣበርክቶ ክተበርክት፡ ካልኦት ዝነብርዎ ዝበለጸ ሕይወት ክትነበር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ሕይወትካ ዕቤትን ዝበለጸ ነገራት ንኽመጽእ ቀዳማይ ሰጐሚ ክትገብሮ ዘሎኻ፡ ኣረኣእያኻ ወይ ራእይኻ ምስፋሕ ኢዩ። ዝበለጸ ሕይወት ክትነብር እንተ ደሊኻ፡ ንሕይወት ብዓይኒ እምነት ክትርእያ ጀምር። ንገዛእ ርእስኻ ናብ ሓዲሽ ወይ ዝለዓለ ደረጃ ትድይብ ከም ዘሎኻ ክትርኢ ጀምር። ትካልካ ክምዕብል፡ ሓዳርካ ክድልድል፡ ስድራኻ ክሓልፈሎም ርአ። ሕልምኻ ግብራዊ ክኸውን ወይ ባህጊ ልብኻ ክሰልጠካ ርአ። ክኾነልካን ክሰልጠካን እንተ ደሊኻ፡ ከም ዝኸውን ጽኑዕ እምነት ክህልወካን፡ ብርጉጽ ተስፋ ክትጽበ ክትክእል ኣሎካ። ነቲ ኣብ ደገ ክትነበሮ (ክኾነልካ) እትደሊ፡ ኣብ ውሽጥካ ክትጸንሶ፡ ኣብ ኣእምሮካ ክትቀርጾ፡ ክትርእዮ የድሊ። እቲ ስእሊ ናይቲ ክንኮኖ እንደሊ ኣብ ሓሳብና፡ ኣብ ዘረባና፡ ኣብ ተግባርና፡ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ናይ ሕይወትና ክኸውን ኣለዎ። ክንሓስቦን ክንሓልሞን ክንዛረበሉን ኣሎና። ዓወትካ ኣቀዲምካ ምርኣይ ታራ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሚስ ኣመሪካ (ወይዘሪት ኣመሪካ) ክትከውን ሕልሚ ነይሪዋ። ኣብ ናይ ኣውራጃ ውድድር ክልተ ጊዜ ፈቲና ኣይተዓወተትን። ታራ ተስፋ ቆሪጻ ክትገድፎ ፈተና መጺእዋ። ኣብ ክንዲ ተስፋ ምቁራጽ ግና ኣብ ዕላማኣ ጸኒዓ ክትነክስ መሪጻ። ካብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ቀይራ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ኮይና ፈቲና፡ ናይቲ ከበቢ ተዓዋቲት ኮይና፡ ናብ ሃገራዊ ውድድር ሓሊፋ፡ ኣብ ሚስ ኣመሪካ ተሳቲፋ ተዓዊታ። ጋዜጠኛ ናይ ዓወታ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ምስ ሓተታ። ክልተ ጊዜ ፈቲና ምስ ተረፈት ክትገድፎ ከም ዝሓሳበት ተኣሚና። ኣብ ክንዲ ምግዳፍ ግና ዝተፈላለዩ ኣማኢት ዲቪድን ካሰትን ገዚኣን ተለቂሓን፡ ብተጋጊማ ብምርኣይ ኣጸቢቃ ክትሰናዶ ወሲና። ነፍሲ ወከፍ ተዓዋቲት መንእሰይ ክትርኢ ከላ፡ ንገዛእ ርእሳ ኣብቲ ኩነታት እቲ ትርኢ ነይራ። ናይ ሚስ ኣመሪካ ዘውዲ ክትቀበል፡ ዘውዲ ደፊኣ ብዓወት ክትዛወር ኣብ ኣእምሮኣ ቀሪጻቶ። ምስጢር ናይ ዓወታ፡ ኣቀዲማ ንገዛእ ርእሳ ከም ዝተዓወተት (ሚስ ኣመሪካ ከም ዝኾነት) ምርኣይ ከም ዝነበር ገሊጻ። ካልእ ጋዜጠኛ ተዓዊትኪ ዘውዲ ደፊእኪ፡ ኣሽሓት ሰባት ክርእዩኺ፡ ኣስተናጋዲ ነታ ውርይቲ መዝሙር ኣመሪካ ክዝምር ከሎ ሓፊርኪዶ ወይ ፍሪሕኪዶ ተሰሚዑካ ምስ በላ። ቅድሚኡ ሽዑ ሽሕ ጊዜ ብእኡ ስለ ዝተመላለስኩ ፈጺመ ኣይሓፈርኩን ኣይፈራህኩን ኢላቶ። ታራ ኣቀዲማ ገዛእ ርእሳ ከም ትዕወት ክሳብ ዘይርኣየት ክትዕወት ከም ዘይትኽእል ፈሊጣ ነይሩ። ካብ ብኣሉታዊ ክጸልዋ ዝክእል ዝኽሪ ናይቲ ክልተ ጊዜ ዝተሳፈቶ ርሒቃ፡ ንኣእምሮኣ ከም እንደገና ሰዓሪት ከም ዝኾነት ኣእሚና ክትቅጽል ነይሩዋ። ክገብሮ፡ ክበጽሖ፡ ክዕወት ይኽእል ኢየ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣማዕቢላ። ኣቀዲማ ንገዛእ ርእሳ ኣብቲ ናይ ዕዉታት መድረኽ ክትድይብ ርእያ። ኣብ ውሽጣ ናይ እምነትን ዓወትን ሃዋሁ ፈጢራ። እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ተቀምጦ (ቀጻሊ ትርእዮ) ንሱ ኢዩ ንሕወትካ ይጸልዎ። ቀጻሊ ኣብ ኣእምሮኻ እትርእዮ ኢኻ ትኸውን። ናይ ውድቀትን ስዕረትን ስእሊ እንተ ኮይኑ፡ ናይ ውድቀትን ስዕረትን ሕይወት ትነብር። ናይ ስዕረት፡ ዓወት፡ ጥዕና፡ በረከት፡ ታሕጓስ፡ ሰላም፡ ደስታ፡ ሃብቲ፡ ስእሊ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ነዞም ነገራት እዚኦም ትጭብጥ። ካብ ምርካቦም ክዓግተካ ዝኽእል ሓንቲኳ የልቦን። ብዙሕ ጊዜ እቲ ክበጽሖ ዝኽእል ወይ ክገብሮ ዝኽእል በጺሐዮ ኢየ ኢልና ጠጠው ንብል። ንእምነትና ብሓቂ ኣይነስፍሖን፡ ዓበይቲ ነገራት ክንገብር ከም እንኽእል ኣይንኣምንን። ኣምላኽ ግና ቀጻሊ ክንውስኽ፡ ናብ ሓዳሽ ደረጃ ክንድይብ ይደልየና። ኣምላኽ ኣብ ስራሕካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክትድይብ፡ ሓዲሽ ሓሳባትን ተባላሕነትን ክተማዕብል፡ ብቁጠባ ክትዓቢ ይደሊ። ቅዱስ መጽሓፍ “ነቲ መዘና ዘይቢሉ ሃብቲ ጸጋኡ” (ኤፈ. 2፡ 7) ምእንቲ ክህብ ይብል። ኣምላኽ ሕጂ ዝበለጸ ናይ ሕይወትካ ጊዜ ክኸውን ይደሊ። ኣምላኽ ሕጂ እቲ መዘና ዘይብሉ ጸጋኡ ክህበካ ይደሊ። ነዚ መዘና ዘይቢሉ ጸጋ ክትቅበል ግና ራእይካ ክተስፍሕ፡ ኣተሓሳስባኻ ክቅየር የድሊ። ኣሉታዊ፡ ስዕረት፡ ውድቀት፡ ኣይከውንን፡ ኣይክእሎን ዝብሃል ነገር ጠጠው ክብል ኣለዎ። ነቲ ፍልጠተይ፡ ትምህርተይ፡ ክእለት ዘፍቅዶ ገይረ ይኣኽለኒ ኣይትበል። ንዓመታት ዝኣክል እዚ ሕማምዚ ሓሚመ። እዚ ዕድለይ ኢዩ ኣይትበል። መዘና ዘይቢሉ ሃብቲ ክትቅበል፡ ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ክትወጽእን፡ በረኸ ኣምላኽ ክትጽበን ጀምር። ኣብ ሕይወትካ ምምሕያሽ፡ ካብ ኣምላኽ ከኣ በረኸ ከም ትቅበል ክተቀድሞ ጀምር። ቅድሚ ምቅባልካ ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ቅረጾ። ኣብ ኣእምሮኻ ናይ ምውሳኽን ምዕባይን ሓሳብ ኣማዕብል። ሽዑ ኣምላኽ ነዞም ነገራት ክፍጽመልካ ኢዩ። መጻኢ ሕይወትካ ብዓይኒ እምነት ጠሚትካ፥ ክሳብ ራእይካ ተስፍሕ፡ ግጉይ ኣረኣእያካ፡ ኣብ ሕይወትካ ሰናይ ነገራት ከይፍጸሙ ዕንቅፋት ክፈጥረልካ ኢዩ። ኣምላኽ ኣብቲ ኣርጊትን ግጉይን ኣተሓሳስባ፡ ሓዲሽ ሓሳብን ተባላሕነትን፡ በረከትን ከፍስስ ኣይክእልን ኢዩ። ቅድሚ ምቅባልካ፡ ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ክትጸንሶም ኣሎካ። .......ክቅጽል ኢዩ። ኣባ ተ/ልደት ተኪኤ